Donate

ሕልሚ ንምግሃድ ህይወት ንምቕያርናይ ምድጋፍ/ወፈያ ዕድል ክፉት ኢዩ!

ኣናዓለምለኻዊ ኣካዳሚ ኣብ መስከረም 02, 2019 ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ብኣኽሊሉ ተኻሊ ምስ ልዋም ኪዳነ ብምዃን ተመስሪቱ ዝህቦም ስልጠናታት ድማ ርእሰርኽበት፣ መሪሕነት፣ ብልሓት ዝርርብ ከምኡውን መርዓን ኣተዓባብያ ቆልዑትን እዮም። እንህቦ ስልጠና ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ንሰለስተ (3) ዓመት፣ ብኣካልን ብመስመር ኢንተርነት ተጠቂሙ ንኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ሕብረተሰብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ብትግርኛ ነጻ ኣገልግሎት ይህብ ኔሩ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ ራኢ እቲ ቤት ትምህርቲ ክሰፍሕ ንማለት ንሰራሕተኛታቱ ድማ ክኸፍል ብማለት ብገንዘብ ክቕይሮ ተገዲዱ ኣብዚ ሕጂ ግዜ፥ ኣና ዓለምለኻዊ ኣካዳሚ ማእከላይ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ሃገረ ካናዳ ክፍለ ግዝኣት ኣልበርታ ከተማ ካልጋሪ ኮይኑ፣ እቲ ብኣካል ዝወሃብ ዝነበረ ኣገልግሎት፡ ምሉእ ብምሉእ ብማንዛ (Online) ቀይርዎ ይርከብ። ዓቕሚ ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርቲ ኣና ዓለምለኻዊ ኣካዳሚ ድማ ክሳብ ሾመንተ (8) ሰራሕተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ዝነብሩ ነዚ ተወሳኺ ድማ ክሳብ ሾመንተ (8) ወለንትኣዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ዓየይቲ ኣለውዏ።

ራኢ ቤት ትምህርቲ ኣና ዓለም ለኻዊ ስልጠና ማእከል!

ሰብ ብኩለንትና ናይ ህይወትን ናብራን ዓብላሊ ጎብለል ኮይኑ ንኽወጽእ መሰረት ምትሓዝ እዚ ማለት ነቲ ካብ ፈጣሪ ዝተዋህቦ ውህብቶ ኣለልዩ ራኢ ሓንጺጹ ብቑዕ ሕብረተሰብ ንምምስራት ከም ውጽኢቱ ድማ ምዕቡል ሃገርን ኣህጉርን ብስብእናን ህይወትን ዝዳነ ሰብኣዊ ዜጋ ምውሓስ

ቤት ትምህርቲ ኣና ውልቀሰባት መን ምዃኖም ንኽፈልጡ ውህበቶም ብምልላይ መጻኢኦም ዝቕይስ ራእይ ንኽሕንጽጹ ኣብ ምሕጋዝ ውፉያት ኢና። ይኹን እምበር ብዙሓት ክቱር ናይ ፍልጠት  ህርፋን  ዘለዎም ሰባት ንጉዕዞኦም ዝዕንቅፍ ፋይናንሳዊ ጸገማት ከጋጥሞም ጸኒሑን ኣሎን።

 

 

ነዚ ዕንቅፋት እዚ ንምቕናስ ራእይና መሰረት ብምግባር ኣብ 2024 ጥራሕን 70 ተማሃሮ ብናይ ነጻ ማሕድሮ-ትምህርቲ (Scholarship) ክመሃሩ ጌርና፣ እዚ ድማ ብህሉው ዓቕምና ዘይኮነ በቲ ክንኮኖ ዝግበኣናን ፍቕሪ ሰብን ተቐኒትና፣ ካብ ህሉው ዓቕምታትና ንላዕሊ ብምኻድ፣ እቶም ዝተጸገሙ ንኽመሃሩን ንኽዓብዩን ዕድል ኽረኽቡ ምግባር ኢዩ። ራእይና መሰረት ዝገበረ፣ ዘይንቕነቕ ተወፋይነት ተደሪኽና፣ ዓመት መጸ፡ ፋይናንሳዊ ደገፍ ንዘድልዮም ውልቀ ሰባት ናይ ነጻ ማሕድሮ-ትምህርቲ  (Scholarship)  ዕድል ኣብ ብዙሓት ንምብጻሕ፣ ናትኩም ደገፍ እቲ ዝድለ ሓገዝ ንክንገብር ክሕግዘና ምዃኑ ከነረጋግጸልኲም ንፈቱ። ብኣበርክቶኹምን ወፈያኹምን፡ ተበጻሕነትና ከነስፍሕ፡ ከም ቤት ትምህርቲ ኣብ ብዙሓት ውልቀ ሰባት ክበጽሕን ከገልግልን ዝኽእል ሓይሊ ክንሕይል ንህይወት ዝቕይር ዕድላት ክንህብን ኣብዚ ሰብኣዊ ተበግሶ በቲ ዘለትኩም ዓቕሚ ተኽእለና። ወፈያ ንምብርካት፣ ብቐጥታ ኣብ መርበብ ሓበሬታና https://www.annainternationalacademy.org/  ስልጠና ወይ ኮርስ ብምግዛእ ንወፈያ ምዃኑ ብምሕባርን ክትልግሱ ትኽእሉ ኢኹም። ከም ኣማራጺ ድማ ብመንገዲ ዑቅቢት ዓንዱ +46721676077 ወይ ኢ-መይል akiletekali@gmail.com ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም። ኩሉ ኣበርክቶ ለውጢ የምጽእ። ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ልግስኹም ንተልእኾና ብርትዐ ሂቡ ህይወት ዝቕይር ምዃኑ ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ።

👉ሎሚ ወፈያ ብምግባር ውሑስ መጻኢ ኣብ ምፍጣር ኣካል ኩኑ!

ንእትገብርዎ ኣበርክቶ ብልቢ ነመስግን።

ምስናይ ምስጋና

ቤት-ትምህርቲ ኣና ዓለም-ለኻዊ ኣካዳሚ!

Empower Dreams, Change Lives – Support/Donation Opportunity!

Anna International  Academy (AIA) was established in Addis Ababa, Ethiopia on September 2, 2019, by Aklilu Tekali and Luwam Kidane. The academy provides courses on self-discovery, leadership, the art of communication, as well as marriage and parenting. For the first three years after its inception, AIA offered these courses free of charge to Eritreans and Ethiopians globally, both online and in-person. However, after three years, AIA began charging for these courses to expand its vision, reach a wider audience, and support additional staff. Currently, the head office of AIA is located in Calgary, Canada, staffed by eight employees and supported by eight volunteers from various countries around the world.

At Anna International Academy, we are dedicated to helping individuals

discover who they are, find their purpose, and create a vision for their future. However, many aspiring students face financial difficulties that hinder their journey.

In 2024 alone, we provided 70 students with scholarships, going beyond our capacity to ensure that those in need get a chance to learn and grow. Every year, we continue to offer scholarships to individuals who require financial support, driven by our unwavering commitment to their success.

Your support can help us do even more. By donating, you enable us to expand our reach, empower more individuals, and provide them with life-changing opportunities.

How You Can Help:

You can donate by directly purchasing a course on our website and informing us that it is a donation. https://www.annainternationalacademy.org/ Alternatively, you can reach out to us at Ukbit Andu at +46721676077 or akiletekali@gmail.com 

Every contribution makes a difference. Whether large or small, your generosity fuels our vision and transforms lives.

👉 Donate today and be a part of creating a stable and fulfilling future!

Thank you for your contributions.

In gratitude,

Anna International Academy