What People Say About Us?

ንሕና ሓራ ምስ ኮና ኢና ንኻልኦት ንኸዉን

December 27, 2025

ርእሰ ርኽበት መሰረት ህይወትን ዓወት ኢያ

መንነትካ ንምፍላጥኖ ትርጉም ህይወት ንምፍላጥን ርእሰ ኻ ምርካብ የድሊ

ኣነ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ዝረኸብኩዎን ዝኸሰብኩዎን ዘርዚረ ኣይዉድኦን ኣየ ብሕጽር ዝበለ ንዓይ እዚ ቤት ትምህርቲ እዙይ ካልኣይ ግዜ ኢዩ

ሰሪሑኒ ።

4 ኮሩሳት ወሲደ ኣለኹ ጌና ብሕጂ እወን ክቕጽል ኢዩ ካብ ቤት ትምህርቲ ኣና ምፍላይ ማለት ዓሳ ካብ ማይ ምዉጻእ ማለት ኢዩ

Azieb Tsegay

ኣይኾነን ። ኩሉኩም ኣብ ኣና ትሰርሑ ብጣዕም እኹም ፍቑራት ግዱሳት ብሰብ የቀንየለይ ንኩልኹም ስድራ ኣና ኣብ መወዳህታ ደስ ዝበለትን ቃል ኤድ እንጆይ ግበርዪ ምስ ደቕኽ ኽትብለን ከለኻ ብጣዕም ደስ እላት።ብልጽት እኽ ምስ በልካን ዋው እዝ ቃሉ ኽጥዕም እለ። ኣኽለ ሓወይ ፍቑር እናዓበኻ ወስኽ ተባረኽ።ኹሉ ስራሕኻ ኣብ ዝልዓለ ደረጃ ኽትበጽሕ ሙሉእ ተስፋ ኣለን። ብጣዕም፡ ብጣዕም ፡የቐንየለይ። ብውሽጥ ዝሓገዝኻን ካኣ ምኽር ዝሃብኻን ኻብ ቕምታ ኣድሕንኻን ነት ሰብ ኽርእ ልበይ ዝሕመን ዝነበረ ሕጅ ግን ፍጣር ይመስገን ኣድሕንኻን ነት ሰብ ብዓይን ፍቕር ኽጥምቲ ገይርኻን ሓግዝኻን ። ሃፍትሽ ሓወይ ካኣ ደውልኻ ሓሳብ ኣወንታዊ ስለ ዝመኸርኻን ኣጆኽ ዝበልኻን ካብ ልበይ የመስግን።

December 22, 2025

ሰላም ፍቑራት ኣና ዓለም ለኻዊ ኣካዳም ።

ሰላም ፍቑር ኣኽለ ሓወይ ፡ኣነ ዘለን ምስኽርነት ተማሃርት መርዓን ኣተዓባብያን ቆልዑት እየ።

ትምህርትካ ኣኽለ ሓወይ ብጣዕም እዩ ህይወት ዝዘርአልኻ።

መጀመርያ ኣብ መርዓን ቅድም መርዓ ምግበርኻ ሓደ ኣውነትካ ምምዕባሊ እዩ፡ እት ዝተበደልኻዩ ኣብ ነፍስ ወከፍ ስድራበት ማሓዙት እዝ ኩሉ በደል ኣእምሮካ ከይሓጸብካ ገዛእ–ርእስኻ ከይማዕበልካኻ ሓደር ዘይምግባር ሓዳር 50/50 ዘይኾነስ (100) ኾይንካ ምእታው ብጣዕም ደስ ዝበለትን።

ኣተዓባብያ ቖልዑ ካኣ ኣርኣያይ ኣመለካኽታኣ ዘለን ኣብ ቖልዑ ቐይርኻዪ። ኣነ ቆልዓ ይቀጽዕ እየ ነይረ ናትካ ትምህርት ምስ ወሰድኩ ግን ተቀይረ፡ንደቀይ ግደፉ ዝብሎም ዝነበርኩ ሕጂ ግን ናጽነቶም ረኽቦም ። ማማ እንታይ ዳኣ ሎምስ ግደፉ ዘይበልኽና ደስና ክንጻወት ኣፍቕድኽልና የቐንየልና እሎም ሓቑፎም ስዕሞምን ብጣዕም ናጽነቶም ረኽቦም ። ኣመለካኽታይ ኣብ ቖልዑ ዘለን ቀይርኻዮ።ምስ ደቀይ እሞ ናብት ዝነበረን ፍቕር፡ንፍቕር ገይርኻን ካልኦት ቆልዑ ኽሕግዝ ገይርኻን ዋጋ ንቖልዑ ኣፍልጥካን የቐንየለይ ኣኽለ ፍቁር ሓወይ።

(ንስኻ ከይዓበኻ ቖልዑ ኽትዕብ ከሚ ዘይትኽእል ምህርኻን) ዓባይ ሕቶ እየ ንዓይ ። ቖልዓ ኽትቀጽዓ ደይኾንካ ስነ – ስርዓት እኻ ኽትምህሮ ዘለካ ተማህረ።

ስነ -ስርዓት ኣተሓሕዛ ከመይ ከም ዝኮነ ኣፍልጥካን ።

ህዲኣት ካኣ ብጣዕም ተጠቕመላ : ኣብ ዝኮነ ዝደፍእዎ ወይ ዝሰበርዎ ደቐይ ህድእ ኢለ ስነ ስርዓት ኽምህሮም ከመ ዘለን ተማህረ።

ኣብታ ግሩብ ዝኣተኹላ መዓልት ናትኽ ትምህርት ኣሎ ዝብል ምስ ርኣኹ ናትኻ ስእል ብጣዕም እየ ጨድረ ንፈጣር ኣመስግነዪ። ብጣዕም ደስ እሉን።ቃላት የብለይን

ንስኻ ካብ ፈጣር እካ ተላእካ ምስካ ብምምሃረይ ብፍቕር እየ ዝጽበያ ነይረ ንሰንበት። ኣይተረደኣንን (6) ወርሕ መዝተማሃርኩ። ከምዝ (2) ወርሕ ዝተማሃርኹ ኾይኑ እዩ ተሰምዑን ። ትምህርትካ ልበይ ሕንቕንቕ እናበለን ትምል ወድአያ ።ምሳኻ ብምምሃረይ ብጣዕም ሑጉስት አየ ። ናትኻ ደግመ ክስምዖ ከለኩ ናይ ሓጎስ መንፈስ ይስመዕን ናትኻ ትምህርት ብቀልሉ ዝግደፍ ኣይኾነን ። ኩሉኩም ኣብ ኣና ትሰርሑ ብጣዕም እኹም ፍቑራት ግዱሳት ብሰብ የቀንየለይ ንኩልኹም ስድራ ኣና

ኣብ መወዳህታ ደስ ዝበለትን ቃል ኤድ እንጆይ ግበርዪ ምስ ደቕኽ ኽትብለን ከለኻ ብጣዕም ደስ እላት።ብልጽት እኽ ምስ በልካን ዋው እዝ ቃሉ ኽጥዕም እለ።

ኣኽለ ሓወይ ፍቑር እናዓበኻ ወስኽ ተባረኽ።ኹሉ ስራሕኻ ኣብ ዝልዓለ ደረጃ ኽትበጽሕ ሙሉእ ተስፋ ኣለን። ብጣዕም፡ ብጣዕም ፡የቐንየለይ።

ብውሽጥ ዝሓገዝኻን ካኣ ምኽር ዝሃብኻን ኻብ ቕምታ ኣድሕንኻን ነት ሰብ ኽርእ ልበይ ዝሕመን ዝነበረ ሕጅ ግን ፍጣር ይመስገን ኣድሕንኻን ነት ሰብ ብዓይን ፍቕር ኽጥምቲ ገይርኻን ሓግዝኻን ።

ሃፍትሽ ሓወይ ካኣ ደውልኻ ሓሳብ ኣወንታዊ ስለ ዝመኸርኻን ኣጆኽ ዝበልኻን ካብ ልበይ የመስግን።

ዝፈትወካ ኽቡር ሓወይ ኣኽሊሉ ተኻሊ ኽብረይ ይሃበለይ። ካብ ሓፍትኻ ኤደን ተወልደ።

eden tewelde

ሰላም ምስ ገዛእ-ርእስና ምስ እንገብር ኢና ምስ ካልኦት ሰላም እንገብር!

December 3, 2025

*ሰብ መጠን ገዛእ ርእሱ ዘፍቐረ ካልኦት የፍቅር.*

ዝያዳ ገዛእ ርእሱ ጽን ዝበለ ንሰባት ጽን ይብል ስለዚ ሰማዕቲ ዘይኮና ጽን በሃልቲ ክንከውን ተማሂርና። ኮታ ሰላምካ ሓርነትካ መትከላትካን ብዝሓለኻዮም ንሶም ዮም ጠበቓታትካ ዝኾኑ። *ስላም ምስ ገዛእ ርእስና ምስ እንገብር ኢና ምስ ካልኦት ሰላም ንነብር።*

ኩሉ ግዜ ሕቶ ስለምንታይ ከነልዕልን ሓቂ፡ ሞራል፡ ትብዓት፡ መትከላትና እንክኾኑን ሰብኣውነትና ድማ ይዓቢ። ፍልጠት ዝተዓጽወ ማዕጾ ኢዩ፡ መፍትሑ ድማ ሕቶ ኢዩ። ህይወት ከም ዛራ ማይ ምዃና ተረዲእናን ተማሂርናን፡ እዚ ብምርዳእና ድማ ምንባርና ትርጉም ይህልዎ። ካብ ባዶ ክንብገስ ንኽእል ኢና ወላ ውን ካብቲ ዘይነበረ።ርእሰ ምትእምማና በብንእሽቶ ይህነጽ በብንእሽቶ ድማ ይብሕጎግ። መጠን ገዛእ ርእስና ዘፍቐርናያ ንኻልኦት ነፍቕር። እቲ ብዕምቖት ዝዕለልናዮን ጽን ዝበልናይዮ ናይ መንፈስና ሕሱኽታ እቲ ሓቒ ንረኽቦ ምዃና ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣና ተማሂርና። ህዳኣትን ናይ መንፈስና ቋንቋ ኢዩ። ራኢና ድማ ህይወት ክለብስ፡ ህይወት ለቢሱ ዓኺኹ እንክፈሪ ፍሬኡ ድማ ሰባት ክዕንገሉ ኢዩ። *ስለዚ ናይ ኣእምሮና እምበር ናይ ዕድልና ሕዩራት ኣይኮናን።* ኣብ ዝሓሰብናዮ ንበጽሕ እቶም ኣቐዲምና ዝወሰንና ጥራይ ኢና። ኣብ እንዓዮ ምልኣት ንሓፍሶ ድማ ዕግበት ይህልወና። መጠን ዝዓበናዮ ድማ ከም ነዕቢ ዝተረዳእኩሉን ዝተገንዘብኩሉን እዚ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ቤት ትምርቲ ኣና ዓለምለኻዊ ኣካዳሚ ኢዩ።

*የመስግነኩም* !

ሚዛን የማነ!

ሚዛን የማነ

Self-discovery testimony

November 28, 2025

This program helped me reconnect with who I truly am, understand my patterns, release what no longer serves me, and step confidently into a stronger, more empowered version of myself. I am genuinely grateful for this experience, and I would wholeheartedly recommend it to anyone who is ready to grow, heal, and discover themselves on a deeper, more meaningful level.

Rahel

ርእሰ ርኽበት ፡ ብልሓት ዝርርብ

October 18, 2025

⭐⭐⭐⭐⭐

Aster Kuflom

ርእሰ_ርኽበት

May 31, 2025

ኣነ ኣብ ፈለማይ እዋን ኣንታይ ኣዩ ርእሰ ርክበት? ይብል ነረ።

ኣብ ገዛእ ርሰይ ዝነበረኒ ኣረዳዲኣ ደጋዊ ምካኑ፣ ኣብ መንነታዊ ስነ ሓሳብ ብዕምቆት ክፈልጥ ክእለ። ሎሚ ኣነ ናይ ገዛእ ነብሰይ ጎታን ሓሳባት ልበይ ከመሓድርን ቢኣሰተንትኖ ገረ ነብሰይ ከረጋጋእን ኣብ ኮርስ ኣና ቐስመዮ። ነብሰይ ሰባት ዝከድዎም ዝነብሩ ኣከያይዳ ይፈርድን ፣የነኣኣስን ነረ። ኮይኑ ግን ሰባት ውጽእት ኣተሃሳስባና ክሳብ ዝኮና ሰብ እንተተማህሩ ከም ዝልወጥን ብዘደንቅ ርእዮቱ ክትልምን ይካል ምካኑ ኣሚነ ኣብ ኣና ኮርስ ተመህረዮ።

ኣና ኢንተርናሽናል ኮርስ ኩሉ ትግርኛ ዝዛረብ ሰብ ክከስቦን ክልወጡሉን ዝግበኦን ብግዱሳት መማህራን ዝምራህ ቤት ትምህርቲ እዩ።

ካብ ጭንቀት ንምግልጋልን ንስኻ መን ምኻንካ ጭብጢ ንምውሳድ ካብ ሓቂቅ ዝጸሪ ትምህርታዊ ጭብጢ ተማህረን፣ ንምውጻእ ካብ ዝነበርኩዎ ኣተሓሳስባን ለውጠን ንዝመጽእ ኮርሶም ክሳተፍ ተስፋ ኣለኒ።

ምክንያቱ ብርግጽ ኩሉተናይ ብጭብጢ ለውጢ ስለዝረከብኩ፣ ኣዝየ የመስግን። ንኩቡራት መመህራን ናኣቶ መምህር ኣኩልሉ ተካሊን ኒኣቶ ኡቁቢት ካልን ኩሎም ኣባላት ኣና መሳርሕቶምን ዕዙዝ ምስጋና ኣለኒ።

መብራህቶም ኣስገዶም

ቃል ምስክርነት ቤት ትምርቲ ኣና ኣብ ስልጠና ርእሰ ርክበትን ብልሓት ዝርርብን::

May 31, 2025

🔷 ኣቓልቦ እንታይ እዩ?

ኣቓልቦ ማለት ትኹረትካ ዝሰርቕ ነገራት ሸለል እናበልካ ኣብ ሓደ ፍሉይ ዕማም፡ ሓሳብ ወይ ኣቕሓ ከተተኩር ምኽኣል እዩ። ሓንጎልካ ኣብ’ዚ ህሞት’ዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ብኸመይ ከም ዝፍልፍል’ዩ።

ከም ፋኑስ ሕሰቦ፤

• እቲ ጩራ ኣብ ምንታይ ከም እተተኩር ዘርኢ’ዩ።

• ካብቲ ምድሪቤት ወጻኢ ዘሎ ኩሉ ነገር ውሑድ ይርአ (ንሕጂ ኣገዳስነቱ ይውሕድ)።

✅ ረብሓታት ኣቓልቦ (ን ትኹረት)

1. ዝሓሸ ምትእኽኻብ

• ትኹረትካ ከይተዘናበለ ኣብ ሓደ ዕማም ንነዊሕ እዋን ክትጸንሕ ይሕግዘካ።

• ናብ ዝለዓለ ኣፍራይነትን ዝሓሸ ውፅኢትን ይመርሕ።

2. ምምሕያሽ ትምህርትን ምዝካርን

• ምሉእ ኣቓልቦ ምስ እትህብ፡ ዝያዳ ትርዳእን ትዝክርን።

• እዚ ኣብ ኣኼባታት፡ ዘተታትን ስልጠናታትን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

3. ውጽኢታዊ ርክብ

• ምሉእ ኣቓልቦ ሒዝካ ምስማዕ፡ ከመይ ጌርካ ከም እትምልሶን ምትእምማን ከም እትሃንጽን የመሓይሽ።

• ሰባት እንታይ ከም ዝብሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስለምንታይ ከም ዝብሉ ይርድኣካ።

4. ዝሓየለ ናይ ሓባር ስራሕ

• ትኹረት ኣባላት ጋንታ ምስ ናይ ሓባር ዕላማታት ክስለፉ ይሕግዞም።

• ኣብ እዋን ናይ ጉጅለ ስራሕ ዘይምርድዳእን ምዝንባልን ይቕንስ።

5. ርእሰ ምቁጽጻር ምውሳኽ

• ኣቓልቦኻ ሓያል ምስ ዝኸውን፡ ውሑድ ግብረ መልሲን ዝያዳ ሓሳብን ትኸውን።

• ቃላትካን ተግባራትካን ብጥበብ ትመርጽ፡ ዋላ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ።

6. ዝቐልጠፈ ምፍታሕ ጸገማት

• ትኹረት ዝገበረ ኣቓልቦ ንጸገማት ብንጹር ንምብታን ይሕግዘካ።

• ካብ ሓደ ሓሳብ ናብ ካልእ ሓሳብ ከይዘለልካ መፍትሒ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

7. ጸቕጢ ይቕንስ

• ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ነገር ከተተኩር ከለኻ፡ ኣእምሮኻ ይሃድእ።

• ብዙሕ ዕማማት ምግባር መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ኣእምሮ ልዕሊ ዓቐን ጽዕነትን ጭንቀትን የስዕብ።

💡 ቀለልቲ ምኽርታት ኣቓልቦ ንምምሕያሽ

• 🔇 ትኹረትካ ዝሰርቕ ነገራት ምውጋድ (ተሌፎናት ምቕማጥ፣ ዘየድልዩ ትቦታት ምዕጻው)

• ⏳ ዕረፍቲ ውሰድ – ሓንጎል ምስ ኣዕረፍካ ኣቓልቦ ይመሓየሽ

• ✍️ ብዛዕባ ቀዳምነታት ንጹር ንምግባር ዝርዝር ስራሕ ምጥቃም

• 🙇 ♂️ ኣእምሮኣዊ ምትእስሳር ምልምማድ – ዋላ 5 ደቓይቕ ትኹረት ይሕግዝ

• 👂 ብንጥፈት ስምዑ – ነቲ ተዛራባይ ርኣዩ፣ ኣይትቋረጹ

• 🧘 ዕማማት ቅድሚ ምጅማርካ ኣዕሚቕካ ምትንፋስ – ናይ ኣእምሮ ምትፍናን የጽርዮ::

እዚ ሓደ ካብቲ ቤት ትምርቲ ኣና ዝተማሃርናዮ ብሉፅ ትምርቲ ብመምህር ኣክሊሉ ተካሊ ኣብ ርእሰ ርክበትን ብልሓት ዝርርብን እዩ :: ሕብረተ ሰብ ክዓቢ ውልቃዊ ዕብየት እቲ ቀዳመይ ኣገዳሲ እዩ ::

ገረዝጊሄር ዑቅባይ ወዲ ጭላባ

ካብ ህይወት ከተቀጽላ ምቅላስ ናብ ህይወት ምስትምቃር ምስግጋር

May 3, 2025

ምስክርነት ብሓፈሻ ብዛእባ ኣና ዓለም ለካዊ ስልጠና።

እቲ ስቃይ ነዊሕ እዩ። ከባቢ 17 ዓመት ተሳቂየ እየ፡ ግን ብሕጽር ዝበለን ንጹሩን ጌረ ክገልጾ እየ።

ኣብ ከባቢ 10፡ 11 ዓመተይ ብዝወረደኒ ናይ ስጋዊ ዓመጽ ብስነ ልቦና ኣዚየ እየ ተጎዲአ። እቲ ሰብ ኣዚየ ዘክብሮን ዋጋ ዝህቦን ኣዚዩ ቀረባ ቤተ ሰብ ካብ ህይወተይ ከርሕቆን ክኣልዮን ዘይክእል ሰብ እዩ ኔሩ። እቲ ሓሳብ ካብኡ ክወጽእ ፈጺመ ሓሲበ ኮነ ገሚተ ኣይፈልጥን። ግን መስተውዓልቲ ሰባት ኣብ ከባቢየይ ዝነበሩ፡ ስለምንታይ ኢካ ነክበረት ዘይትፈትዋ ኩሉ ግዜ ኣንጻራ ኢሎም ይሓትዎ ኔሮም። እቲ ገርህን ልቦና ዘይቆጸረ ልበይ ግን ኣስተውዒልዎ ኣይፈልጥን እዩ ሕቶ እቶም ሰባት።

ይኩን ግን ምስ ፈራሕኩን ሓረቅኩን ኣነ ኣዚየ ሓያል ሰብ ስለ ዝቅየር እቲ ዝሓሰቦ ብስጋዊ ኣባይ ኣይፈጸሞን ኣብቲ ቅልስ ኣነ ስለ ዘሰነፍኩ፡ ብስነ ልቦና ግን ፈጺምዎ ጥራይ ዘይኮነስ ህይወተይ ኣብ ምቅጻልን ዘይምቅጻልን ኣብ ምልክት ሕቶ ንከባቢ 15 ዓመትን ፈረቃን ኣጽኒሕዎ እዩ።

ብድሕሪ እዚ ኩሉ ኣብ ህይወተይ ዝወሰንክዎ ውሳኔታት ህይወተይ ሴፍ(ምዕቃብ) ንምግባር እዩ። ህይወተይ ክትቅጽል ዝሕግዛ እንተ ኮይኑ እቲ ውሳኔ፡ ወላ ውሽጠይ ጌጋ እዩ እንዳ በለኒ ይሰምዖ ኣይነበርኩምን። ምኽንያቱ በይነይ ብዘይ እቶም ውሳኔታት ሕጂ ብህይወት ኣይምሃለኩምን። ኩሉ ግን ንሽዑ ህይወተይ ዘቀጽላ እንተ ረኪበ እቲ ዝውስኖ ቅኑዕ ኮነ ጌጋ ኣማራጺ ኣይነበረንን። ምክንያቱ ብስድራይ ተሰማዕነት ስለ ዘይነበረኒ ዝገጠመኒ ሽግር ንወላ ሓደ ሰብ ኣይነገርኩን። ንሱ ከኣ ኣብ ቀረባ ስድራቤት ስለ ዝነበረ ከምኡ ውን ተሰማዕነት ስለዝነበሮ ክኣምኑኒ ከም ዘይክእሉ ኣሚነ ኣብ በይነይ ንዓመታት እየ ሒዘዮ።

እቲ መፍትሒ ይኮነኒ እዩ ዝበልክዎ ድማ እንዳ ገበርኩ ጸኒሐ።

ሓንቲ ካብተን ውሳኔ ኣዚያ ዘሳቀየትኒ ግን ናይ ውሉደይ እዩ። ኣደይ ብዛዕባ ኣሕዋተይ ክትሻቀል ከላ ስቃያ ስለ ዘሳቅየኒ ዝነበረ ኣንቲ ኣደይ ግደፍዮ እንዶ ኣይትሻቀሊ ክብላ ከለኩ ፡ ኣክበረት ጋለይ ውሉድ ሓያል እዩ ትብለኒ ኔራ። በቲ ንሓጺር ዝሕግዘኒ ዝመሰለኒ ዝወሰንክዎ ውሳኔ ጋለይ ክትሳቀ ከላ፡ ልዕሊ ማንም ኣሳቅይንን ተስፋ ኣቁሪጽንን እዩ።

ናብ ኣና መጺየ ግን እዚ ጽልማት ህይወተይ ቀይረዮ። መጻኢ ጋለይ ኣዚዩ ብሉጽ ምካኑ 100% ተኣማሚነ።

እቲ ለዋህን ፈቃርን ውሽጠይ ድማ ብሉጽ መጻኢ ኣዳሊየሉ ኣለኩ።

ኣኪለ፡ ዕቁቢት ክልቴኩም ኣዚኩም ብሉጻት የሕዋት ኣዚየ የመስግነኩም። ንውዕለትኩም ክመልሶ ዝኽእል ዋጋ እካ የብለይን።

ካብ ብልጽቲ ሓብትኩም ኣክበረት ግደይ

ኣክበረት ግደይ

ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣና ዘለኒ ምስክርነት /

May 2, 2025

ርእሰ ርኽበት / መርዓን ኣተዓባብ ቆልዑን

ትህምርቲ ርእሰ ርኽበት ክጅምር ከለኹ ዝነበረኒ ግንዛበ ከም ካልእ ትምህርቲ ናይ ርእሰ ዕቤት ጥራይ ኢዩ ነሩ. ትምህርቲ ምስ ጀመርኩ ግን መዓረ ክንደይ ኣገዳስን ፍሉይን ትምህርቲ ረኺበዮ. እዚ ትምህርቲ ነቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ

ኣብ ሂወተይ ዝነበረኒ ሕቶታት. ተውህቦይ ከነጽረለይ ሓጊዝኒ. እቲ ቁኑዕ ምንባር

ካብ ውሽጢ ገዛእ ርእሰይ ክነብሮ ሓጊዝኒ. እዚ ስልጠና ንዝኾነ ሰብ ኣገዳሲ እዩ መሰረት ናይ ዕዉት ሂወት ኢዩ.

ኣማንኤል ዑቅባይ

ኣብ ቤት ትምርቲ ኣና ዘለኒ ምስጋናን ኣድናቖትን

April 30, 2025

ሰብ መጠን ገዛእ ርእሱ ዘፍቐረ ካልኦት የፍቅር ዝያዳ ገዛእ ርእሱ ጽን ዝበለ ንሰባት ጽን ይብል። ኮታ ሰላምካ ሓርነትካ መትከላትካን ብዝሓለኻዮም ንሶም ዮም ጠበቓታትካ ዝኾኑ። ስላም ምስ ገዛእ ርእስና ምስ እንገብር ኢና። ምስ ካልኦት ሰላም ንነብር።ኩሉ ግዜ ሕቶ ስለምንታይ ከነልዕልን ሓቒ ሞራል ትብዓት መትከላትና እንክኾኑን ሰብኣውነትና ድማ ይዓቢ። ምንባርና ድማ ትርጉም ይህልዎ። መጠን ገዛእ ርእስና ዘፍቐርናያ ንኻልኦት እነፍቕር። ብዕምቖት ንመንፈስና ብሰማዕናዮን ዝዕለልናዮን እቲ ሓቒ ንረኽቦ።ራኢና ድማ ህይወት ክለብስ ህይወት ለቢሱ ዓኺኹ እንክፈሪ ፍሬኡ ድማ ሰባት ክዕንገሉ ኢዩ። መጠን ዝዓበናዮ ድማ ከም ነዕቢ ዝተረዳእኩሉን ዝተገንዘብኩሉን እዚ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ቤት ትምርቲ ኣና ዓለምለኻዊ ስልጠና ማእከል ኢዩ የመስግነኩም።

ሚዛን የማነ